ጦብላሕታ
ዝኾነ ነገር ኣብ ሂወት ክትዕወቶ ዝግባኣካ ኣብ ውሽጥኻ እዩ ዝርከብ። ምስ ጨኳኒኻ ምትሕብባር ደው ኣብሎ። ኣብ ስቕታ ኮይንካ ምስ ኣሉታውያን፡ መርዛማት፡ ንሂወትካ ኣዕነውቲ ዝኾኑ ሰባት ምትሕብባር ደው ኣብሎ። ደቂ ሰባት ንዓኻ ካብ ሰላምካን ሓጎስካን ክጨውይኻ ኣይተፍቅደሎም። እቲ ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገራት ኣብ ሂወትካ ንኸይፍጸሙ ደው ከብሎ ዝኽእል ሰብ፡ እስኻ ጥራይ ኢኻ፡ እቲ ግዜ ድማ ሕጂ እዩ።
ክንደይ ካባና ነዚ ነገር እዚ ክንገብር ንደሊ፡ ግን ከኣ ኣብ ፍርሒ ተዓቂብና ንነብር። ንሕሉፍ ንፈርሖ። ከይንርከብ ወይ ከይንተሓዝ ንፈርሕ። ከይንፈሽል ወይ ሰባት ከየቋናጹብና ንፈርሕ። ንፈርሕ፡ ንፈርሕ፡ ንፈርሕ ብማእለያ ዘይብሎም ምኽንያታት። እዚ ፍርሒ ድማ ኣብ ቃንዛ ዝመልኦ ጉድጓድ ኣጥሒሉና ይነብርን ኣብ ስቕታ ኣንቢሩ ኣብ እዛ ዓለም ዘሎ ድምጽና፡ ዕላማንን ሓይልናን ይጨውዮ። ካብ እቶም ጨኮንትና ወይ ዓመጽትና ምስ ተዛረብና፡ ንፈልጦ ዝመጽእ መጥቃዕቲ እውን ንፈርሕ ኢና። ኩሎም ደሃልቲ፡ ደሃልቲ ዝኾኑ ምስ ዘለና ፍርሒ ምስ ዝተሓባበሩ ጥራይ እዩ።
ምፍራሕ ደው ኣብሎ። እዚ ሂወትካ እይ፡ ወንኖ፡ ተኸላኸሎ ዶማ!
Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 29-June-19.
コメント