top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

Enough#ይኣክል

Enough#ይኣክል ብድሆ ናይ ይኣክል ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከብ ኤርትራዊ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምብዳህን ብሰንኩ ዝወርድ ዘሎ ሃገራውን ህዝባውን ዕንወት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ርድኢትን ኣፍልጦን ሒዙ እጃማዊ ድምጹ ከስምዕ ዝዓለመ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ዕዉት ተነግሶን ግስጋሰን ሒዙ ዝቕጽል ዘሎ ሓባራውን ሓድነታውን መንገዲ ዘትሕዝ መስርሕ። ንእግረ መንገደይ ነቶም ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ዝኾነ ስርዓት ብግስ ከይበለ ዝኽተሎ ዝጸነሐን ዘሎን ዘይሕፍትሓውን ኣዕናውን ዝኾነ ብልሽውን ጨኳንን ስርዓት ኣብ ምቅዋምን፡ ምቅላዕን ደው ንምባል ክሳብ እዚ ደረጃ እዚ ዘብጽሕዎ ብሂወት ዝተፈልዩን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሰንኪ እዚ ሸይጣናዊ ስርዓት ኣብ እስርቤት ዝርከቡን ኣብ ፈቆዶ ስደት ምስ ሂወት እንዳተፋጠጡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለው ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ኣብ ልዕሊኦም ዘለኒ ሓበንን ኩርዓትን ወሰን የብሉሉን።

ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሊዶም ክንሶም ቃንዛናን ስምዒትናን ብምርዳእ ነቲ ብሰንኪ ዘሕለፍናዮ ስቓይን ኣሰቃቕን ዝኾነ ግዕዞን ነቲ ኣብ ፈቆዶ እስርቤት ብስቅያት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ድምጺ ኣልቦ ዝኾኑ ህዝቢ ድምጺ ክኾኑን ክህቡን ለውጢ ኣብ ሂወት ውጹዕ ህዝቢ ለውጢ ንምፍጣር ግዜኦምን ብልሓቶምን ዝውፍዩ ዘለው ዜጋታት ዘለኒ ተሪር ሓበን ክገልጽ ይደሊ። ሓቃዊ ሰብኣውነትኩምን ሞራልኩምን ንዓና ዓቢ ኣብነት ኮይኑ ተስፋ ዝህብ ህያብ ምኻኑ ክገልጸልኩም ይደሊ። We couldn’t be more proud of you. መልእኽተይ፡

ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ኢድ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዘምለጥናን ብኣዝዩ ናይ ሂወት ፈታኒ ዝኾነ ጉዕዞ ዝመጻእናን ንድምጺ ኣልቦ ዝኾነ ህዝቢ ብመንገዲ ዓቕምና ድምጺ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ልዕሊ ማንም እዩ ክንርዳእ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ንሓደ ግዜ ኣብኡ ስለዝነበርናን ብኡ ስለዝሓለፍናን። ነብሰ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ሃገሩ፡ ገዝኡ፡ ወላዲቱን ወላዲኡን ገዲፉ ዝወጸ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኣይኮነን፡ ነብሰ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፈትዎም ስድራቤቱን ፍቕሪ ወላዲኡ ራሕሪሑ ናብ ስደት ዓዲ ጓና ከምርሕ ኣይምመረጸን፡ ነብሰ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝሓለፎ ናይ ሂወት ፈታኒ ዝኾነ ጉዕዞ ክገጥሞ ዝኽእል ሓደጋ ንምግማቱ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡ ነብሰ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዓለም ምሉእ ኣብ ዘይተደላይነትን ቅልውላውን ዝኾነ ዘይርጉጽ ሂወት ክነብር መሪጽዎ ኣይኮነን። እታ ሓንቲ ኣማራጺ ናብ ዘይትፈልጦ ጉዕዞ ካብ ትፈልጦ ገበል ንምድሓን ጥራይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ገዛእ ሃገሩን ቤቱን ሕልሙን ትምኒቱን ንኸተግብር ቅብጸት ስለዝተሰምዖን ምስ ምሉእ ዓቕሙን ኣፍልጥኡን መወዳእታ ሂወት ኣብቲ ግላዊ ዝኾነ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ግቡእ መሰልን ክፍሊትን ክበሊ ምኻኑ ስለዝፈለጠን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘለዎ ድምጽን ርእይቶን ተገልቢጦም ንዕኡ ዘጥፍኡ ምስ ኮኑ፡ ስምዒት ፍቕሪ ስድራቤትን ኣብ ገዛእ ሃገሩን ገዝኡን ከስተማቕር ኣብ ዘይክእል ደረጃ ምስ በጽሐን፡ ከባቢኡን ሰቡን በብሓደ ብዘይተፈልጠ ክጠፍእን ክዓኑን ምስ ጀመረን፡ ነብሰ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኩነታት ኣብ ሂወቱ ልዑል ስግኣት ምስ ፈጠረ ነብሰ ምድሓን ናብ ኣዝዩ ውሕስነቱን ማዕልቦኡን ዘይፍለጥ ጉዕዞ ሂወት ጀሚርዎ። ነብሰ ወከፍ ኣብ ዓለም መሪር ዝበሃል ሂወት ድማ ብዓይኑን ብሂወቱን ተሞኲርዎን ሓሊፍዎን ከብቅዕ ኣብ ስደት ናይ ዘይተደላይነትን ዓሌታዊ ጎነጽን ንድሕሪት ክጎቶ ይርአ።

እሱ ከይኣክል ኣብ ፎቆዶ እስርቤት ህዝቡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ፈቆዶ ሊብያን ኣብ ሞትን ሂወትን ክጠፍእ ብዓይኑ ክርእዮ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ኣንፈት ሂወት ሲሒቱ ኣብ ዕንክሊል ዝኾነ ሂወት ይርከብ። ገሌና ዕድለኛታት ኢና ብሂወት ኣብ ድሓን ዝኾኑ ቦታ በጺሕና ድምጽና ከነስምዕ ኪኢልና፡ ልዑል ምስጋና ንፈጣሪ። ገለ ካባና ድማ ብሂወት ክወጹ ኣይከኣሉን ኣብ ጉዕዞና ድማ ተሪፎም።

ስለዝኾነ እዩ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ልዕሊ ማንም ድምጽን ድጋፈን ነቶም ኣብቲ ንሕና ዝተመኮርናዮ ዘይንቡሩን ዘይውሕሱን ቦታ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ደቂ ዜጋናን ድምጺ ክንህብን ንኣብ ስቓይ ዝርከቡ ድጋፈና ከነስምዕን ዝግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ኢድ ስርዓት ዝነበርናሉ፡ ኣብ እሱርቤት ኣብ ዝነበርናሉ፡ ኣብ ፈቆዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ሲናይ፡ ማእከላይ ባሕርን ኣብ ኢድ ደላሎን ራሻይዳን ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ድምጺ ክኾነና ዝኽእልን ደገፉ ዘርእየናን ንነብሰ ወከፍና ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣድልዩና ነይሩ፡ ካብዚ ድማ ድማ ድምጽናን ድጋፈናን ንኽንህብ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርዳእ ንኽእል። ነዚ ክንርዳእ እዝጋኣብሄር ይሓግዘና።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ እንዳ ኣሕለፈን እንዳ ጸነተን መዋእል ኣቕጺሩ ይርከብ፡ እዚ ኹሉ ድማ ዘይሓለፍነታውን ምልካውን ስርዓት እሰያስ ኣፈወርቂ ስልጣኑ ንምብርታዕን ቀጻልነት ስልጣኑ ንምውሓስ ዝፈጠሮ ብልሽው ምሕደራ እዩ። Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 26-Apr-2019

21 views0 comments

Comments


bottom of page