ከም ሕብረተሰብ ሓደ ካብቲ ንድሕሪት ክጎተና ዝኽእልን ለውጢ ኣብ ምኽዕባት ዓንቃፊ ዝኾነ ነገር፡ ኣእምሮና ኣብ ትምህርቲ ከምቲ ዝድለ ክፉት ምስዘይከውን እዩ። ብፍላይ ኣብ ስደት ንርከብ ኤርትራውያን። ኣብ ስደት ሂወት ብበዳሂ ዝኾነ ማሕላኻታት ዝተኸበት እያ፡ ኣብ ንዓኻ ዘይመስል ሕብረተሰብ፡ ንዓኻ ንጽር ዘይኮኑ ሕግን ስርዓትን፡ ካብ ተሞክሮኻ ዝተፈለየ ናይ ሂወት መናባብሮ፡ ጸቢብ ዕድላትን ተኽእሎታትን፡ ንግፈት መሰራታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ውልቃውን ስድራቤታውን ሓላፍነትን ብብዝሒ ዝርኣዩ ብድሆታት እዮም። ብንጹር ድማ ጸለውቲ እዮም። ግን ካብ ሕልምታትናን ራኢናን ዓጊቶም ምኽንያታዊ ተበግሶ ናይ ስደትናን ዝልውጡ ድዮም?ኣይመስለንን። ዳርጋ መብዛሕትና ኤርትራውያን ሓባራዊ ዝኾነ ብቑዕን ምኽንያታውን ተበግሶ ሒዝና ኢና ካብ ገዛና ወጺእና ንስድት መሪጽናዮ። ውሽጣዊ ፖሊትካውን ማሕበራውን ቅልውላው ዘበገሶ ስግኣት ናይ ህላውነት፡ ፍርሕን ጭኮናን ካብ ምውቕቲ ገዛና፡ ካብ ገጽ ወላዲትናን ኣባላት ስድራቤትናን ብሓይሊ ደፊኡ ከም ንወጽእ ገይሩና። ዳርጋ መብዛሕትና ኤርትራውያን ልክዕ ከምቲ ጸገማትና ሓባራዊ ዝኾነ ድሌትን ባህግን ኣለና። እሱ ድማ #ለውጢ እዩ። ፖሎቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ ለውጢ። ኣብ ፍርሕን ስግኣትን፡ ጭኮናን ክነብር ኣይመረጽናን። ዝኾነ ፍጡር ክመርጾ ዝኽእል ድማ ኣይኮነን። ክንልውጦ ደሊና። ነዚ ንምውልዋጥ ድማ ዓበይትን ኣገደስትን ዝኾኑ ክፋል ናይ ሂወትና፡ ወላዲትናን ኣባላት ስድራቤትናን፡ ሕብረተሰብናን ዝባና ሂብናዮም ተበጊስና። እዚ ድማ ትብዓት ዘድልዮ ብቐሊል ክግበር ዝከኣል ዘይኮነ ስግምቲ እዩ። ገይርናዮ ግን። ምኽንያቱ ራእን ሕልምን ልዕሊ ዝኾነ ነገር ስለ ዝሰራዕናዮ። ራእናን ሕልምናን ድማ #ለውጢ እዩ ነይሩ። ከመሓላልፎ ዝደለኹ ነገር ብዛዕባ ዘለና ጸገማትን ንደልዮ ዘለና ለውጥን ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዞም ኣርእስቲ እዚኣቶም ንዓና ንጹራትን ብሩሃትን እዮም። መልእኽተይ ግን ብዛዕባ #ለውጢ ኣብ ምምጻእ ቀንዲ ዘድልየና ረቓሒ እዩ። እሱ ድማ #ትምህርቲ እዩ። ትምህርቲ ክብል ከለኹ ግድን ኣካዳምያዊ ደረጃ ትምህርቲ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። እንተተረኺቡ ጽቡቕ። ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ንኣሽቱ ኮርሳት ጀሚርካ ክሳብ ዝላዓለ ኣብ ዝኾነ ዓይነት መዳይ እውን ዓቢ ተራ ዝጻወት መስርሕ እዩ። ዝኾነ ክንሓቕፎ ንደሊ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ለውጢ፡ ትምህርቲ ከድልይና እዮ። ጸገማትና ብድሆትናን መፍትሒታትን ምርጫታትን ንምርካብ ትምህርቲ ከድልየና እዩ። ካብ ውድቀትና ክንማሃርን ክንትንስእን ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ናይ ለውጢ ብብዝሒ ዘገጣም ኣብ ርእሲ ምኻኑ ትምህርቲ የድልየና። ተወሳኺ ዕድላትን ተምክሮን ኣብ ጉዕዞ ናይ ለውጢ ቀንዲ ረቋሕቲ ኣብ ርእሲ ምኻኖም ንምዕዋቶም ትምህርቲ የድልየና። ትምህርቲ መፍትሕ ናይ ኩሉ ኣከባብያዊ ብድሆታት ናይ ጉዕዞ ናይ ለውጢ። ካብ ሕማም ክንገላገል መድሃኒት ከድልየና እዩ፡ ለውጢ ክንዕወት ድማ ትምህርቲ ከድልየና እዩ። ንትምህርቲ ዘወግዱ መመኽነይታ ቀንዲ ኣዐንቀፍትን ኮምፓስ ጉዕዞ ናይ ለውጢ ዘጥፍኡን እዮም። ዕድል ድማ ክንህቦም የብልናን። ምናልባት ብሓጺር መንገዲ ገንዘብ ናይ ምእካብ እምነት ክህልወካ ይኽእል። ኮይኑ ግን ገንዘብካ ከተማሓድር እውን ትምህርቲ ከትድልየካ እዩ። ክትቅይሮም ትኽእልን ዘይትኽእልን ኣብ ጉዕዞኻ ዘጋጥሙኻ ነገራት ከተለልዮም ፈትን። ክትቅይሮም ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይኖም፡ ግዜ ኣይትሃቦም ካልእ መንገድታት ኣናዲ። ኣንፈት ጉዕዞኻን ራኢኻን ክጠውዩ ዕድል ኣይትሃቦም። ብዛዕባ ለውጢ ኣብ ትሓሳብ፡ ለውጢ ከቢድ ምኻኑ፡ ነዊሕ ምኻኑን ብዙሕ መስዋእቲ ዝጠልብ ምኻኑን ተገንዘብ፡ ግን ከኣ ንምብጽሑ ዝከኣል ምኻኑ እመን። ንፈለማ ግዜ ብኣኻ ዝጅምር ዘሎ ኣይኮነን። ብዙሓት በቲ መንገዲ ሓሊፎም እዮም። ብዙሓት ለውጢ ተዓዊቶም እዮም።ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ፡ ቀሊል ከምዘይከውን ግን ክትቅበሎ ዘለካ ግሁድ ሓቂ እዩ። ብዛዕባ ለውጥ ኣብ ትሓስብ፡ ቀዳማይ ዕማም ነብሳኻ ምልዋጥ ምኻኑ እመን። እቲ ሓደ ምሉእ ብምሉእ ክትልውጦ ትኽእል ኣካል ነብስኻ ጥራይ እዩ። ብድሕሪኡ ስድቤትካ፡ ሕብረተሰብካ፡ ሃገርካን ከባቢኻን። ቅድሚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ለውጢ ግን ነዞም ተወሰኽቲ ለውጥታት ክትዕወተሎም ዘይትኽእል ርጉጽ ሓቂ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ትምህርቲ ከም ዘድልየካ ኣይትዘንግዕ። ቃ ልሲ ኣይተቋርጽ፡ ኣብ ትምህርቲ ድማ ተስፋ ኣይትቕረጽ። ሰናይ ለይቲ፡ ፍቕርን ሰላምን ንኹሉ ኤርትራዊ!! ዓወትን ብልጽግናን ንኹሉ ኣብ ኩሉ ጨንፈር ናይ ዓለም ኣብ ቃልስን ጻዕርን ዝርከብ ኤርትራዊ!!
ካብ ሕማም ክንገላገል መድሃኒት ከድልየና እዩ፡ ለውጢ ክንዕወት ድማ ትምህርቲ ከድልየና እዩ።
Updated: Oct 13, 2019
Comments