top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

Salaam App|ሰላም ኣፕ

ሰላም ኣፕ UNHCR ምስ ምትሕብባር NGO ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝተመስረተት፡ ብዛዕባ መሰላት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቕባን ዝምልከት ከም ንቪዛ፡ መስርሕ ስፖንሰርሽፕ፡ ብዛዕባ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቕባን ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሕክምናውን ሕጋውን ናይ ሓገዝን ደገፍን ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ናይ ሕክምና ውሕስነት{health insurance}፡ ናይ ስራሕ መሰላት፡ ናይ ትምህርታዊ ዕድላት፡ መምርሒ ሂወት ኣብ እስራኤልን ካልእ ንሓተትቲ ዕቕባ ዝምለከት ህዝባዊ ሓባሬታ ንምሃብ ዝተዳለወ መርበባ ናይ ሓቤሬታ እዩ። ኩሉ እቲ ዝግባኣካ ዘለካን መሰላት ምስ ሕጋዊ ወረቐትካ[VISA} ዝምልከት ኣበይን ብኸመይ ክትረኽቦ ከም ትኽእል ዝሕግዘካ መምርሒ እዩ። ከም ተወሳኻ ሰላም ኣፕ ንዝኾነ ዝሓተትካዮ ሕቶ ብቕጽበት መልሲ ይህብ። ሰላም ኣፕ ንሓተትቲ ዕቕባን ስደተኛታትን ዝምልከት ሓድሽቲ፡ እዋናውን ህጹጽን ሓበሬታን ዜናታትን ምስ ዝህሉ ቀጥታዊ መልእኽቲ ናብ ቴሌፎንካ ብምፍናው ንኽተንብቦ ምልክት ትህብ። ሰላም ኣፕ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ቁጽሪ ቴሌፎን፡ ሓበሬታ ናይ መኣዝን ወይ ቦታ፡ ኣድራሻ ናይ ኣገደስቲ ቦታታትን ትካላትን፡ ናይ ደገፍን ሓገዝን ኣገልግሎት ትካላት ንሓተትቲ ዕቕባ ዝሰርሕሉ ኩፉት ሰዓታት ንጽር ሓበሬታ ዝህብ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ሰላም ኣፕ ብኣርባዕተ ቋንቋ ተዳልያ ቀሪባ ኣላ፡ ትግርኛ፡ ኢብራይዝ፡ እንሊዝን ዓረብን ሰላም 5 ቀንዲ ባህሪ ኣለውዋ 1 ናይ ሕቶ መድለዩ ቦታን ቀጥታዊ መልስን፡ ቀጥታዊ መልሲ ንሕቶታትካን ሓበሬታ ብኸመይ ናብቲ ዝምልከቱ ትካል ናይ ምትሕልላፍ መምርሕን ትህበካ 2 ሓደሽቲ ዜናታትን ሓበሬታታትን፡ ዝኾነ ሓድሽ ዝኾነ ናይ ሕጊ ምቅይያራት ንሓተትቲ ዕቕባ ዝምልከት፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት፡ ሓደሽቲ መያዊ ትምህርቲ፡ ምቅይያር ናይ ዘይመንግስታውያን NGO ክፉት ሰዓታትን መዓልታትን ግዝያዊ ሓበሬታ ትህብ። 3 ዝርዝር ናይ ትካላት፡ ዝርዝር ናይ ደገፍን ሓገዝን ንሓተትቲ ዕቕባ ዝህባ ትካላትን፡ ወከልትን ማእከል ሕብረተስብን 4 ብድምጺ ዝስማዕ፡ እቲ ዝወሃበካ ሓበሬታ ብመስርሕ ድምጺ ዝስማዕ ዝተዳለወ ክኸውን እዩ፡ ተዛረብቲ ትግርኛ ብድምጺ ክትሰምዕሉ ኣብ ዝደለኹም ግዜ ቴሌፎንኩም ናይ ኢንተርነት ኮኔክሽን ክህልወኩም የድሊ። 5 ህጹጽ ሓቤሬታ ትፍንወልካ፡ ህጹጽን ኣገዳስን ሓድሽን ሓበሬታ ብቐጥታ ንኸተንብቦ ናብ ተሌፎንካ ሰላም ኣፕ ክትፍንወልካ እያ። ስረእላዊ መግለጺ፡



ሊንክ ናይ ሰላም ኣፕ፡ https://play.google.com/store/apps/details?id=com.unhcr.salaam&hl=en ወይ ድማ ኣብ ፕለይ ስቶር ብምኻድ 1 Salaam ኢልኩም ጸሓፍ 2 ቋንቋ ትግርኛ ብምምራጽ ነቲ ዝመጽእ መምርሒ ብትግርኛ ክመጸኩም ክጅምር እዩ፡ ሓበሬታ ሓጋዚ ዝኸውን ብግቡእ ምስ ዝርዳኣናን እቲ ምንጪ ካብቲ ኣካል ብጥትታ ምስ ንረኽቦ ጥራይ እዩ። Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 27-Apr-2019

 


649 views0 comments

Comments


bottom of page