ብዛዕባ ህሉው ዘቤታዊ ጉዳይ ሃገርና ጎስጓስ ንህዝብና ይኹን ንመላእ ዓለም ንምዝርጋሕ፡ ዝሓበር ድምጺ እምበር ተወሳኺ ፓርትን ሕድሕዳዊ ውድድርን ኣይኮነን ዝያዳ ዘድልየና። ዘለና ፖሊቲካዊ ጸገማት ህዝብናን ዓለምናን ብግቡእ ክርድኦን ክበርሃሉን ዝያዳ የድልዮ ኣሎ። ህዝብና ብሰንኪ ዘሎ ብዝሒ ፓርቲታትን ኣብ ሞንጎ እዘን ፓርትታት ዘሎ ውድድር ዝዓብለሎ ዘይምቅርራብን ኣብ መን ኣሚኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ ከበርክት ይኽእል ኣጸጊምዎ ይርከብ።
ነንገዛእ ርእስና ኣጻብዕትና ንራኣኣየሉን ንወዳደረሉን ግዜ ዘይኮነስ ናብ ሓደ እንዳቐረብና ብዛዕባ ዘለውና ስቓይን መከራን ጠንቆምን ብንጽር ድምጽን ድጋፈን ክንህብ ይግባእ። ብሓደ ክንመጸሉ ዝግባእ ነብሰ ወከፍ ሓባራዊ ምኽንያት ኣለና። ዘይክሓድ ሓቂ ብሓደ በዳሂ ጉዕዞን ካብ መበቆል ሃገርና ብሓደ ምኽንያትን ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ክንበጽሕ ኪኢልና፡ ንሕና ብሓደ ስቓይ ኣብ ገዛእ ርእስና ተሞኪርናን ሓሊፍናን፡ ንሕና ስቓይን ሞትን ደቂ ዜጋታትና ብሓንሳብ ዝተመኮርና ሰባት ኢና፡ ስእነት ፍቕሪ ስድራቤት፡ ዘይተደላይነት፡ ጥፍኣት፡ እሱርቤት፡ ዘይቀዋምነትን ብሓንሳብ ንነብሮ ዘሎና ንሕና ኢና። ጠንቁ እዚ ኹሉ እንታይ ምኻኑ ድማ ነብሰ ወከፍና ኣብ ልብና ዘሎ ሓደ ሓባራዊ ምኽንያት ምኻኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ብውልቁ ዝተመርጸ ንነዊሕ ዝጸንሐ ዲክታተራዊ ስርዓት ናይ ሃገርና እዩ።
እዚ ኹሉ ሓባራዊ ሽግራትን ሓባራዊ ጠንቅን እንዳሃለወና ድኣ ንምንታይ ኣብ ክንዲ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንምውራድ ዝኸውን ሓባራዊ ድምጽን ጎስጓስን ነፍሪ ፋሕ ዝበለ ስነ ሓሳብ እንዳኣፍርና ንህዝብና ናብ ጥፍኣትን ምምቓልን ንመርሖ ኣለና። ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ንንቀሳቐስ ሰባት። ንሕና ኣንጸባራቕትን ወከልትን ኢና። ነብሰወከፍና ዝኾነ ብዛዕባ ሕብረተስብና ነቕርቦ ነገር ኣብ ዓለምናን ህዝብናን ጸላውን ወካልን። ስለዝኾነ ድማ ናይ ሓድነትን ኣዎንታውን ኣብነት ኮይና ንሕብረተስብና ካብ ጽልእን ሕጽረት ሓበሬታን ኣፍልጦን ከነጋላግሎ ይግባእ።
ዝተሓላለኸ ንህዝብና ይኹን ህዝቢ ዓለም ንምርድእ ዘጸግም ጸገም ኣይኮነን ዘለና፡ ዘይተሓላለኸን ብሩሁን ብዓይንኻ ዝርአን ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ ዘለና። ንመላእ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝብናን ድማ በቲ መሰረታውን ብርሁን ኣገባብ ከነቕርበሉ ይግባእ። ነቕርቦ ጎስጓስ ድማ ሓድነታውን መሰረታውን ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ናይ ሃገርና ክኸውን ይግባእ። ዝተፈላለየ ንዓና ሃሳይን ዘየወሃህድን ክንፈጥር የብልናን።
ዘይተደልየን ጸገምና ዘይኮነ ስነ ሓሳባትን ካብ ምፍጣርን ሕድሕዳዊ ምውድዳርን ክንቅጠብን ይግባእ፡ እንተዘይኮይኑ ዕድመ ሽግርና ዝምዕብለሉን ስቓይ ህዝብናን ወለዶናን ዝናወሐሉን ተሓባበርቲ ኣካላት ኮይና ጥራይ ኢና ንተርፍ።
“ሓድነታዊ ድምጺ እምበር ሕድሕዳዊ ውድድር ኣይኮነን ዝያዳ ዘድልየና”
Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 4 May 2019
Comments