top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

መብጽዓ/ቃል/ውዕል ዓይነት ጸወታ ኣይኮነን፡ ኣዝዩ ዕቱብ ዝኾነ ነገር እዩ ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣዚኻ ጥንቁቕን ንጹርን ክትከውን ይግባእ።

መብጽዓ/ቃል/ውዕል መብጽዓ/ቃል/ውዕል - ዝኾነ ዓይነት ጸወታ ኣይኮነ። መብጽዓ/ቃል/ውዕል - ኣብ ሂወት ይኹን ቢዝነስ ኣዝዩ ዕቱብ ከም ምኾኑ ብፍጹም ብቐሊም ክርአ ዘይግብኦ ነገር እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ ሰባት ኣገዳስነት ናይ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ብትኽክል ኣይርድእዎን፡ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ንኽገብሩ ቀሊል ኮይኑ ይስምዖም፡ ስለዝኾነ ድማ ብቐሊል ነቲ ንገዛእ ርእሶም ይኹን ንኻልኦት ዝፈጸምዎ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ብቐሊል ይርሕርሕዎ። ኣብ ሕብረተሰብና ብብዝሒ ዝርአ ጸገም እዩ። ኣብ ዝምድናና፡ ኣብ ስራሕና፡ ኣብ ዕብየትናን ምዕባለናን ድማ ኣዝዩ ጸላዊ ኮይኑ ይርክብ።

መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣዝዩ ዕቱብ ትህቦ ቃል ኮይኑ ብዝኾነ መንገዲ ከተተግብሮ ዝኾንካ፡ ትህቦ መብጽዓ ወይ ቃል ምስ መደምሰስ ዘለዎ ርሳስ ትህቦ ቃል ዘይኮነ፡ ንነብስኻ ይኹን ንኻልኦት ትህቦ መብጽዓ ወይ ቃል ኮይኑ፡ ክሳብ ዘይተግበርካዮን ክሳብ ተተግብሮን ብእኡ ደው ክትብል ዝግባኣካን ዕቱብ ውዕል እዩ። ስለዝኾነ ኣብ መብጽዓኻ/ቃልካ/ውዕልካ ኣዚኻ ጥንቁቕ ክትከውንን ብጣዕሚ ርግጸኛ ክትከውን ዝግባኣካ። መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣብ ትኣትዎ ኣብ ቃላትካ 100% ርግጸኛ ምኻንካ ከተረጋግጽ ይግባኣካ። “ብዘይ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣብ ዝኾነ ነገር፡ ዝምድና፡ ቢዝነስ ይኹን ዘገድስኻ ነገራት ዝኾነ ዕምቆት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ።

መብጽዓ/ቃል/ውዕል ንገለ ሰብ ኣብ ንህበሉ እሞ ምስ ዘይነተግብረሎም፡ እቲ ኣብ ሞንጎና ዘሎ እምነት ጥራይ ኣይኮናን ንሰብር ዘለና፡ ስምዒቶም እውን ኢና ንጸልዎ። ምኽንያቱ ንገለ ነገር ዝምልከት መብጽዓ/ቃል/ውዕል ንኻልኦት ሰባት ምስ ንህብ፡ ብተዘዋዋሪ ዝኾነ መንገዲ ተስፋ ንህቦም ኣለና ማለት እዩ፡ ስርሖም ንምፍጻም እወ ዝብል መልሲ ወይ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ኩነት ኣብ ምግጣሙ ክንሕግዞም ምኻና ቃል ምእታውን ማለት እዩ፡ ነዚ መብጽዓ/ቃል/ውዕል እዚ እንተዘይ ኣስሚርካሎም ግን ዘለዎም ተስፋ ትሰብሮ ኣለኻ ማለት እዩ። ተስፋ ድማ ብዙሕ ዝተተሓሓዘ ስምዒት ዝሓዘለ ዕቱብ ነገር እዩ። ስለዝኾነ እዩ ድማ ኣብ ንህቦ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣዚና ክንጥንቀቕ ዝግባኣና። ምኽንያቱ ቃል ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ስምዒት፡ ተስፋ፡ እምነት ዘጠቓለለት ንጽል ቃል እያ። መብጽዓ/ቃል/ውዕል - ምሃብን ምዕቃብን እንታይነትካ እውን እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ምስ ዝህብ ናቱ ነብሰ-ክብረትን ክብረ ስልማትን ኣብቲ ዝህቦ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣንጠልጢለን እየን ዝርከባ። ማለት እቲ ሰብ ዝሃቦ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣብ ምትግባሩን ምዕቃቡን እንተ ፈሺሉ፡ እቲ ናቱ ነብሰ ክብረትን ክብራዊ ስልማቱን በዚ ፍሽለት እዚ ይጽለዉ። ስለዚ ጽቡቕ ውጽኢት እንተደሊኻን ነብሰ ክብርኻን ክብራዊ ስልማትካን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክህሉ እንተደሊኻን፡ ትህቦ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ኣብ ምትግባሩ 100% ርግጸኛ ምኻንካ ኣብ ተረጋግጸሉ ግዜ ጥራይ ክትህብ ይግባእ።

ምኽንያቱ መብጽዓ/ቃል/ውዕል ዓይነት ጸወታ ኣይኮነን፡ ኣዝዩ ዕቱብ ዝኾነ ነገር እዩ ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣዚኻ ጥንቁቕን ንጹርን ክትከውን ይግባእ።

መብጽዓ/ቃል/ውዕል ዘይምዕቃብ ዝሃብካዮም ቃላት ምውንዛፍ ወይ ምርሕራሕ ጥራይ ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ክብረ ግህሰት ስምዒትን እምንትን ናይ ካልኦት ሰባትን ኮይኑ ብዝተዋዋሪ መንገዲ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ክብርን ክብራዊ ስልማትን ጸላውን እዩ።

መብጽዓ/ቃል/ውዕል - ምስ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ትኣትወሉ እሞ ኣብ ምዕቃቡን ምትግባርን ብዕቱብ ምስ ዘይትሕዞ ኣብ ምዕባለኻን ብልጫታትካን ኣሉታዊ ውጽኢት ክፈጥር ይኽእል። Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 22 March 2019

43 views0 comments

Comments


bottom of page