top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

ርድኢት ናይ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጸገማት ኣብ ማሕበረሰብና

ንነዊሕ ግዜ ከም ተርጓምን ባህላዊ ምውህሃድን ኣብ ሓደ NGO ንስደተኛታት ማሕበረ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህብ ትካል ኮይነ ድሕሪ ምስራሕ፡ ብዙሓት ብኣእምሮኣውን ስምዒታውን ዝሳቐዩ ሰባት ካብ ማሕበረሰብና ረኺበ። ብሰንኪ ካብ መበቆል ሃገሮም ዝገጠሞሞ ፍጹምነት ግህሰት ሰብኣውነቶምን መሰላቶምን፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ንምብጻሕ ዝተጋዓዝዎ ናይ ሂወት ፈታኒ ዝኾነ ጉዕዞ፡ ብኣዝዮም ንፍጡር ወዲ ሰብ ሓደገኛታት ዝኾኑ ስጋ ለበስ ክንሶም ሰብኣውነት ኣልቦ ዝኾኑ ብበደዊን ዝፍለጡ ዓይሌት ራሻይዳን ደላሎ ክፋል ማሕበረሰብናን ኣብ ነብሶምን መንፈሶምን ዝወረዶም ይኹን ኣብ ልዕሊ ፈተውቶምን ብጾቶምን ዝረኣይዎ ኣሰቃቒ ዝኾነ ማህሰይትን ፍጻመን፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ድሕሪ ምብጻሕ ብሰንኪ ዓሌታውን ተነጽላውን ኣተሓሕዛ ናይ ሰበስልጣን መንግስቲ እስራኤልን፡ ግቡእ ዳግመ ህንጸት ድሕሪ ዘሕለፍዎ ስቓይ ኣብ ግዜኡ ብዘይ ምርካብን፡ ኣብ እዚ ግዜ እዞም ክፋል ሕብረተሰብና ዝኾኑ ግዳያት ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕን ንመጻኢ ተስፋ ዘቕርጽን ኩነታት ከምዘለውን ንሕና ድማ ብሓፈሻ ከም ሕብረተሰብ መጠን ኣብ ኣሰከፊ ዝኾነ ኩነታትን ኣንፈትን ከምዘለና ክርዳእ ኪኢለ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ዝገጥሞም ጸገም፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ዘለና ድሩት ርድኢት ናይ እቲ ዝገጥምዎ ዘለው ስምዒታውን ኣእምርኣውን ጸገማት፡ ብሰንኪ ዘለና ድኹም ሜላ ኣዛራርባና፡ ብሰንኪ ዘለና ትሑት ክእለት ናይ ሓቃዊ ደገፍን ሓገዝን፡ ብሰንኪ ዘለና ልዑል ዝኾነ ናይ ምፍራድ ባህርን፡ ብሰንኪ ዘለና ዘይምዑሩይን ኣዕናውን ዝኾነ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብሰንኪ ዘለና ዘይውሑስ ኣታሓሕዛ ውልቃዊ ሓበሬታ ደቂ ሰባትን ምስጢራትን፡ ብሰንኪ ዘለና ድኹም ዝኾነ ክእለት ናይ ምስማዕ፡ ብሰንኪ ዘለና ድኹም ዝኾነ ስምዒት ናይ ምርዳእ ቃንዛ ደቂ ሰባትን፡ ብሰንኪ ዘለና ድኹም ናይ ተቐባልነት ባህርን ኣብ ውሽጥና ዝርከቡ ግዳይ ናይ እዚ ጸገማት እዚ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕ ዓለም ይርከቡ። ፈወስቲ ንሕና ኢና፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰባት ይደልዩ፡ ውሑሳት ሰባት፡ ሓበሬታ ብግቡእ ዝዕቅቡ፡ ጽን ኢሎም ዝሰምዑን፡ ውሑስ ግዝየን ቦታን ዝህቡ፡ ቃንዝኦም ብዓሚቕ ዝርድኡ፡ ዘሕለፍዎ ስቓይ ባዕሎም ብገዛእ ድሌቶም ዝጠለብዎ ከምዘይኮነን ነብሰ ወቐሳ ከወግዱን ብሰንኩ ዝወርዶም ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ነውጺ ድማ ንቡርን ቅቡል ምኻኑ ክገልጸሎም ዝኽእል፡ ሓገዝ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቦታ ቅኑዕን ጭቡጥን ሓበሬታ ዝህቡ ሰባት የድልዮም ኣሎ። ብሓፈሻ እሙን ዝኾነ

ሕብረተሰብ የድልዮም ኣሎ። እሞ ኸ ድኣ እንታይ ክንገብር ይግባእ? ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል? ብኸመይ ውሑስ ዝኾነ ሕብረተሰብ ክንፈጥር ንኽእል?ብኸመይ ተኣማኒ ዝኾነ ሕብረተሰብ ክንፈጥር ንኽእል? እቶም ሰባት ድማ ንሕና ኢና፡ እቶም ድሓን ኢና ንብል፡ እቶም ብዛዕባ እዚ ጸገማት እዚ ሓፈሻዊ ርድኢት ዘለና፡ ሓገዝና የድልዮም ኣሎ። ዝያዳ ንኽንፈልጥ ድልዋትን ኩፉት ኣእምሮን ንፍጠር፡ ኣጣቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢና ነመሓይሽ፡ ብዛዕብኡ ንፈትሽን ንሕትትን። ሓጋዝን ኣዎንታውን ዝበልናዮ እምበር ኣሉታዊ ጽልዋ ዝግብር ሼር ካብ ምግባር ንቆጠብ። ኣብ ሕብረተሰብና ፈውስቲ ድኣ እምበር ሃሰይቲ ክንከውን የብልናን! Solomon Gebreyohans Gebremariam | community nterpreter and cultural broker | 13-Mar-19



237 views0 comments

Comments


bottom of page