top of page

ሰናይ ተግባራት ጥዕና ሕብረተ ሰብ እዮም

Writer's picture: Solomon GebreyohansSolomon Gebreyohans
ሰናይ ተግባር ውድቀት ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ብማዕረ እቲ ዝሃብካዮን ካብኡ ዝበዝሕን ይኸፍለካ!ሰናይ ተግባር ጸጋ፡ ሓጎስን ፍቕርን የምጽእ። ኣብዛ ንባዕለይ ጥራይ ዝኾነት ዓለም፡ እቲ ሓደ መሰረታዊ ሰብኣውነት ክብ ከብል ዝኽእል ሰናይ ተግባር ንኻልኦት ክንገብር ምስ ንብገስ ጥራይ እዩ

ኣብ እዘን 5 ምኽንያታት ንምንታይ ኩሉ ግዜ ሰናይ ነገር ክንገብር ኣለና ንርአ፡ 1. ሓገስ/ደስታ፡ ሕጉስ ምኻን ንዝኾነ ፍጡር ወዲ ሰብ ቀንዲ ወሳኒ ዝኾነ ነገር እዩ። ኩሉ ግዜ ምስ ኣዎንታውነት ዝሻረኽ ወቕቲ እዩ። ሰናይ ተግባራት ኣብ እትገብረሉ፡ ሓጎስ የውሕሱኻ። ብቕጽበት ኣይክትረኽቦምን ትኽእል ትኸውን፡ ኣብ ቀረባ ወይ ድሒሩ ግን ብርግጽ ክትረኽቦም ኢኻ። ሰናይ ተግባር ተመሊሱ ይኸፍለካ እዩ። ስለዚ ጽቡቕ ግበርን ጽቡቕ ተቐበልን ብሓጎስ ድማ ንበር። 2. ትርጉም ዝመልኦ፡ ሰናይ ተግባር እቲ ዝበለጸ ንሂወት ትርጉም ክትውስከላ ትኽእል መንገዲ እዩ። ኣዝዩ ቀሊል ግን ከኣ ክንነብረሉ ንኽእል ውጽኢታዊ ምኽንያት እዩ። ቅኑዕ መንገዲ ተኸተል፡ ንዝኾነ ሰብ ክትጎድእ ብፍጹም ኣይትሓልን፡ ንኹሉ ሰብ ኣኽብሮን ኣፍቅሮን። ንሂወትካ ክትደልዮ ዝጸናሕካ ትርጉም ዘለዋ ኣንፈት ኣትሕዛ። 3. ገዛእ ርእስኻ ዕብየት፡ ሰናይ ተግባር ንዓኻ ከም ሰብ ዕብየትን ምዕባለን የምጽኣልካ እዩ። ንኻልኦት ሰባት ዝያዳ ተሰማማዒ፡ ተረዳእን ተዳናፋቕን ትኸውን። ሰናይ ተግባራት ንኻልኦት ኣብ ትገብር፡ ካብ ውሽጢ ሓጎስን ሓበንን ይስመዓካ፡ መንፈስካን ልብኻን ድማ ብኣዎንታዊ ይዓቢ። ውልቃዊ ዕብየት ምስ ሰብኣዊ ክብርን ዋጋን ናብ ዝሓሸ ሰብ ንምኻን ይመርሓካ። 4.ንኣተዓባብያና ክብሪ እዩ: ተግባራትካ እንታይ ዓይነት ሰብ ምኻንካ ይገልጹ እዮም። ልክዕ ካብ ቁልዕነትና ንኻልኦት ተዳገጽቲ፡ ኣፍቀርቲ፡ ሕያወተን ግዱሳትን እንዳተማሃርና ኢና ንዓቢ። ሰናይ ተግባር ትዝርግሕ እንተድኣ ሃሊኻ፡ ነቲ ወለድኻ ብሰናይን ሞራላዊ ክብርን ዘዕበዩኻ ኣተዓባብያ ክብሪ ትህቦ ኣለኻ ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተግባራትካ ካብ ኣተዓባብያኻ እዩ ዝምዘን። ኣድናቆት ድዩ ወቐሳ ከተምጽኣሉ ድማ ናባኻ ይኸውን! 5. ሰናይ ተግባር መሰረታዊ ዝኾነ ሞራላዊ ግቡእ ናይ ወዲ ሰብ እዩ፡ ንደቂ ሰባት ኣገልግል፡ ንኻልኦት ሓገዝ ሃብ፡ ሕያዋይ ኩን፡ ፍቕርን ተገዳስነትን ዘርግሕ። ሰናይ ተግባራት ግበር ውጽኢቶም ሰናይ ጥራይ ስለዝኾነ። ሰናይ ተግባራት ሓደ ካብቶም ውሕዳት ካብ ካልኦት ብናጻ ክንህቦምን ክንረኽቦምን ንኽእል ብሉጽ ሰብኣውነት እዩ።


ጽቡቕ ተግባር ንኻልኦት ግበር፡ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ክመጻእካ እዩ

ቃላትን ስእልን 06/12/2014



117 views0 comments

Comments


bottom of page