top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

ነብስኻ ኣብ ዝተዋህበ ኩነታት ብኸመይ ክትተሓዝ ምደለኻያ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ፡ ልክዕ ከምቲ ነብስኻ ክትታሓዞ ትደልያ ንኻልኦት ሰባት ብማዕረ ክትሕዞም ጸዓር።

መሰረታዊ ክብርታት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ቦታን ምርኣይ ወይ ግዴታዊ ኣበርክቶ ምስታፍ፡ ክንዮ እቲ ንውልቅና ተሰከምቲ ሓላፍነት ዝገብረና ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልናን ብሓፈሻ ንሙሉእ ሕብረተሰብ ጽቡቕ ቅርጽን ስምን ንኽሕዝን ምስ ካልኦት ካባና ዝተፈልዩ ሕብረተሰብ ይኹን ውልቀሰባት ብምችእነትን ስኒትን ንኽነብር ውጽኢታዊ ተራ ዝጻወቱን ግን ከኣ ሸለልትነት ንህቦም ነጥብታትን እዮም። ውጽኢት ናይ ነዞም ነጥብታት ዘይምግዳስናን ዘይምኽታልናን ድማ ንውልቅና ይኹን ንሕብረተሰብና ብካልኦት ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተደላይነትን ዘይምስናይን ይፍጠር እሞ ማሕበራዊ ጸገምት እንዳ ማዕበሉ ይኸዱ። ንኽንደይ ግዜ ጸኒሕካ ወይ ክትጸንሕ ኢኻ ብዘየገድስ፡ እዛ ምድሪ ዓለም ንኹልና ስለትምልከት መሰረታዊ ክብርታት ከትርኢ ሰብኣዊ ግዴታኻ ምኻኑ እመን። እምበኣር ኣኽባሪ ሰብ ንምኻን ክሕግዙና ዝኽእሉ ነጥብታት ብሓንሳብ ንርኣዮም፡

መሰረታዊ ክብሪ ኣርኢ

1 ሕያውነትን ትሕትናን ኣርኢ፡ ኣኽባሪ ሰብ ንምኻን መሰረታዊ ተገዳስነት ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ስምዒት እዩ ዝጅምር። ነብስኻ ኣብ ዝተዋህበ ኩነታት ብኸመይ ክትተሓዝ ምደለኻያ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ፡ ልክዕ ከምቲ ነብስኻ ክትታሓዞ ትደልያ ንኻልኦት ሰባት ብማዕረ ክትሕዞም ጸዓር። ንኹሉ ዝረኸብካዮ ብኸምዚ ብጽቡቕ ክትሕዞ ፈትን፡ ኣብ ጎደና ትረኽቦም ሰባት፡ መሳርሕትኻ፡ ኣባል ስድራቤትካን ብክብርን ትሕትናን ሕዞም። ንሰባት መግቢ፡ ማይ፡ ወይ ካልእ ዝኾነ ነገር ዘድልዮም ምስ ትርኢ ለግሰሎም።

2 ምእዙዝ ኩን። ስነ ስርዓትን ጽቡቕ ባህርን ዝብል ኣምር ቆልዓ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ፡ ዋጋ ዘይብሉን ዘይጠቅምን እዩ ዝመስለካ፡ ምስ ዓበኻ ግን እዞም ባህርያት እዚኣቶም ንሕብረተሰብ ብድፕሎማሲያዊ መንገዲ ንኽግዓዝ ኣዝዮም ተራ ይጻወቱ ምኻኖም ተለልዮም። ምልምማድ ጽቡቕ ባህሪ: ኣኽባሪ ናይ ካልኦት ሰባት ግዜን ቦታን ንኽትከውን ዝወስድኻ መንገድታት እዮም። ኣብዚ ታሕቲ ውሕዳት ምእዙዝ ንኽትከውን ዝሕግዙ ነጥብታት ንርአ፡

  • ኣብ እንዳ ሻሂ፡ ቤት መግቢ፡ ወይ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ንሰባት ክርብሽ ዝኽእል ድምጺ ወይ ብቴሌፎን ኣይትዛረብ

  • ኩሉ ግዜ ብኽብረትካን የቐንየለይን ዝብሉ ቃላት ተጠቐም

  • ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሎ ሕግታትት ተኸተል

  • ሽጋራ ምትካኽ፡ ቴሌፎን ምድዋል ኩልኩል እዩ ዝብል ሕጊ ተኸተል፡

  • ፊልም ጀሚሩ መብራህቲ ናይ ሲነማ ምስ ጠፍአ ዘረባ ኣቃርጽ

  • ዝተጠቀምካሉ ጎሓፍ ዘጽሪ ሰብ ኣሎ ኢልካ ዘይምግዳፍን ናብ እንዳ ጎሓፍ ምግሓፍን

3 ንሰባት ፈላላዩ ወይ ኣዳላዊ ኣይትኹን። ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ኣኽብር - እትህቦ ክብሪ ንእትፈልጦም ሰባት ወይ ንካባኻ ኣልዒልካ ትርእዮም ጥራይ ክኾኑ የብሎምን። ብዙሓት ሰባት ንካልኦት ጽቡቕ ኣድናቖት ክህብዎም ንዝደልዩ ሰባት ንምሃብ ዘለዎም ኣኽብሮት ዝዕቅቡ ኣለው፡ ንኻልኦት ሰባት ድማ ዘይእሩማትን ክብሪ ኣልቦን ይኾኑ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ ንዝረኸብካዮም ሰባት ኣኽብር፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብዙሕ ግዜ ብዓይኒ ኣኽብሮት ዘይትሓዙ ሰባት። ንኣብነት ገዛ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይእሩም ኣረኣእያን ክብርን ይገጥሞም እዩ፡ ኮይኑ ግን ልክዕ ከም ኩሉ ሰብ ክብርን ትሕትናን ዝግብኦም ፍጡራት እዮም። 4 ንዘሎ ፍልልይ ኣኽብር፡ ካባኻ ፍሉያት ንዝኾኑ ሰባት ኣኽባሪ ኩን፡ ዋላ ብጽቡቕ ክትርድኦም ኣይትኽኣል። ኣብ ሞንጎና ዘለው ፍልልያት ንሂወት ሰሓቢት ዝገብርዋ ነጥብታት እዮ። ዋላ ካበይ ከምዝመጹ ኣፍልጦ ኣይሃልኻ፡ ትሕተኛን ሲቪላውን ኩን። ንኹሉ ዝረኸብካዮ ሰብ ክትፈትዎን ከተፍቅሮን፡ ብርግጽ ድማ ምስኡ ክትሰማማዕ ኣለካ ማለት ኣይኮነን፡ ክብሪ ከተርእዮም ግን ግዴታ ኣለካ። 5

ቦታታት ኣኽብር። ዝኾነ ምስ ካልኦት ሰባት ተኻፊልካ ትግልገለሉ ቦታ ብኽብሪ ክትሕዞ ኣለካ። ገዛኻ ምስ ካልኦት ተኻፊልካ ትቕመጥ እንተኮይንካ፡ ብሓባር ትማሃረሉ ቦታ ከም ቤት ትምህርቲ፡ ጎደና ናይ ከባቢኻ፡ መጸበዩ ኣውቶቡስ፡ እዞም ቦታታት ንኻልኦት ሰባት እውን ዝምልከቱ ናይ ሓፈሻ ቦታታት እዮም። ነዞም እስኻ መዓልታዊ ትጥቀመሎም ቦታታት ብድሕሬኻ ጎሓፍ ክገድፍሉ ከለው ጽቡቕ ኣይክስመዓካን እዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ተጠቒምካ ብድሕሬኻ ከምዘጽረኻዮ ኣረጋግጽን ንኻልኦት ጽፉፍ ኮይኑ ንኽጸንሖም ናትካ ግደ ከምዝገበርካን ኣረጋግጽ፡

ዝኾነ ጎሓፋት ኣብ መሬት ዘይምድራባይ፡ ኣልዒልካ ናብ እንዳጎሓፍ ምድርባይ፡ እንድሕር ኣርሲሕካዮ ከጽርዮ ዝብል ኒሕ ክህልወካን ከተጽርዮን ከምዘለካን። ዝኾነ ፖስት ወይ ወረቐት ነገር ኣብ መንገዲ ይኹን ኣብ መንደቕ ዘይምጥቃዕ፡ ስነ ጥበበኛ እንተዘይኮይንካ ወይ ፍቓድ እንድሕር ዘይብልካን። 6 ንምድሪ ዓለምን ንኹሎም ኣብኣ ንዝነብሩ ፍጡራትን ብኣኽብሮት ርኣዮም። ኣኽባሪ ምኻን ክንዮ ንኻልኦት ሕያውነት ምሃብ ዝርጋሐ ኣለዎ። ንእንስሳታትን ኣትክልትን ነዛ ምድሪ ንገዛእ ርእሳን ኣኽብሮት ከነርኢ ክንዝንግዕ የብልናን። ኩሉና ብሓንሳብ ንነብር ኣለና፡ ነፍሰ ወከፍና ድማ ክብሪ ይግባኣና እዩ። ንዝኾነ ፍጡር ናይዛ ዓለም ብዝግብኦ ኣኽብሮትን ትሕትናን ክንሕዞ ንጽዓር።

ብከላ ኣከባቢ ንምውጋድ ዝከኣለካን ግዴታኻን ኣበርክት። ተግባራትካ ንካልኦት ዓለም ከመይ ይጸልዎም ከምዘሎ ኣስተውዕልን ተረዳእን። 7 ናይ ካልኦት ሰባት ዋንነት ኣኽብር። ንዓኻ ዘይምልከት ወይ ዘይናትካ ብናጻ ብዘይፍቓድ ንነብስኻ ከምድላይካ ክትከውን ዘይስነምግባራዊ እይ ዝቕጸር። ካልኦት ንብረት ቅድሚ ምጥቃምካ ፍቃድ ሕተት። Source - Positive thoughts Translate- Solomon Gebreyouhans - Community mediator, interpreter and Translator

100 views0 comments

Comments


bottom of page