ቁም-ነገር ዝሓዘለ ሃንደበታዊ ዕላል
“ሓደ ዓርከይ ንገዛይ ሓቢርና ቡን ክንሰቲ ይመጽእ፡ ኣብ ሞንጎ ነጥቢ ናይቲ ዕላልና፡ “ኣቕሑ ናይ መግቢ ክሓጽብ ሞ ክምለስ እየ” ኢለዮ ብድድ ይብል” ሮኬት ክትከል ይኸይድ ኣለኹ ከም ዝበልክዎ ድማ ናይ ስንባደ ኣጣማምታ ጠመተኒ፡ ብኣድናቕናት ግን ቁሩብ ናይ ዝደንጸዎ ምልክት ብምርኣይ ከምዚ ክብል መለሰለይ፡ “ ሰበይትኻ ትሕግዛ ብምኻንካ ሕጉስ እየ፡ ኣነ ኣይሕግዛንየ ምኽንያቱ ኣብ ዝሕግዛ ግዜ ሰበይተይ ስለዘይትምጉሰኒ። ዝሓለፈ ሰሙን ምድሪ ቤት ናይ ገዛ ሓጺበዮ የቐንየለይ ከማን ኣይበለትንን” ናብ ኮፍ መበልየይ ተመሊሰ ኣነ ንሰበይተይ “ኣይሕግዛን” እየ ክብል ገሊጸሉ።
“እቲ ሓቂ፡ ሰበይተይ ሓገዝ ኣየድልያን እዩ፡ መጻምድቲ ጥራይ እዩ ዘድልያ። ኣነ ኣብ ገዛ መጻምድታ እየ፡ ስለዝኾነ ድማ ኩሉ ስርሓት ዘበለ ተኻፊልና ንሰርሖ፡ ናይ ስድራ ዋኒን ምስራሕ ግን “ሓገዝ” ኣይኮነን” “ገዛ ብምጽራየይ ንሰበይተይ ሓጊዘያ ማለት ኣይኮነን፡ ኣነ ዝነብረሉ ገዛ ስለዝኾነን ከጽርዮ ስለዘድልየንን ስለዝግብኣንን እዩ” “መግቢ ምስርሐይ ንሰበይተይ ኣይሕግዛን እየ፡ ኣነውን ክበልዕ ስለዝደልን መግቢ ክሰርሕ ስለዝግብኣንን” “ድሕሪ መግቢ ኣቕሑ መግቢ ምሕጻበይ ንሰበይተይ ኣይሕግዛን እየ፡ ኣነውን ስለዝጥቀመሎም ጥራይ እዩ” “ንሰበይተይ ቆልዑ ኣብ ምክንኻን ኣይሕግዛን እየ፡ ንዓይውን ደቀይ ስለዝኾኑን ስረሐይ ድማ ኣቦ ምኻን ስለዝኾነን” “ክዳውንቲ ብምሕጻብ፡ ብምዝርጋሕን ብምዕጻፍን ንሰበይተይ ኣይሕግዛን እየ፡ እቲ ክዳውንቲ ናተይን ናይ ደቀይ ስለዝኾነ እዩ” ኣብ ገዛ ንሓገዝ ኣይኮንኩን ዘለኹ። ክፋል ናይቲ ገዛ እየ። ንዓርከይ ድማ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ፡ “ሰበይትኻ ገዛ ኣጽርያ፡ ክዳውንቲ ሓጺባ፡ መንጸፍ ናይ ዓራት ቀይራ፡ ቆልዑ ሓጺባን መግቢ ከሺናን ኣብ ዝወደእትሉ ግዜ የቐንየለይ ዝበልካያ መዓስ እዩ ነይሩ፧ “ዓርከይ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ሂወትካ ምድሪ ቤት ኣጽሪኻ፡ ኣድናቖትን ምጎሳን ናይ ሓደ ዓቢ ነገር ትጽበስ ንምንታይ፧ “ምናልባት ንዓኻ እቲ ሰብኣይ እየ ዝብል ባህሊ ኩሉ ነገራት ናታ ስራሕ ምኻኑ ኣርእይካ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኢድካ ሃባ፡ ሓቀኛ ብጻይ ኩን። ከም ጋሻ ገዛ በሊዑ፡ ተሓጺቡ ዝድቅስ ኣይትኹን፡ ስምዒት ናይ ወዲ ገዛ ይሃልወካን ብዓል ሓላፍነትን ኩን”
Comentários