top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

ንሰባት ሓቃዊ ርድኢት ክንድኦም እንተዘይኪኢልና፡ ንዓና ፍጹም ኣይክርድኡናን እዮም፡ ሂወት ብዘይ ዓሚቕ ምርድዳእ ዋላ ሓደ ውጽኢት ኣይክህልዋን እዩ።

ኣብ ስርሐይ ንነዊሕ ካብ ዝተመኮርክዎ፡ እቲ ዝኸበደን ኣሸገራን ኮይኑ ዝረኽብክዎ ንሰባት ክንዮ እቲ ዘለዎም ትጽቢት ዘሎ ኩውነታዊ ነገር ተረዲኦም ክቕበልዎ ምግባር እዩ። ንነዊሕ እዋን ዘይምችእ ስምዒትን ዝተፈላለዩ ሕቶታት መልሲ ክረኽበሎም ዘይከኣልኩ ኣብ ኣእምሮይ ይመላለሱኒ ነይሮም። ንምንታይ እቲ ዘሎ ኩነት ክርድእዎ ዘይከኣሉ፧ ንምንታይ ንኽርድእዎ ከቢድ ይኸውን፧ ንምንታይ ከ ክቕበልዎ ዘይከኣሉ፧ ሰባት ብሰንኪ ጻዕቂ ዝተፈላለዩ ኣሸገርትን ሕልኽላኻትን ዝኾኑ ኩነታት ናይ ሂወት ወይ ድማ ብሰንኪ ዘሕለፍዎ ኣሰቃቒ ፍጻመ ኣብ ህሉው መነባብሮኦም ዝወርዶም ኣእምሮኣዊ ነውጽን፡ ብደገ ዝረኽብዎ ዘይክውነታዊ ሓበሬታን ነቲ ክውንነት ዝኾነ ንጹር ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ዘሎ እስኻ ከተማሓላልፎ ዝግባኣካ ሓበሬታ ንምርዳእን ምቕባልን የሸግሮም። ክሳብ ክንደይ ደጋጊምካ መብርሂ ሂብካዮም ብዘይ የገድስ ክሰርሓልካ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ምርዳእ ስምዒትካ ከተርኢ ስለዘይከኣልካ እዩ፡ ስምዒት ናይ ዘይምርዳእ ይስምዖም፡ ዝበልዎ ዝሰመዓካዮም ኮይኑ ኣይሰምዖምን እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ተሞክሮን ዝተፈላለዩ ሰባት ምርካብን ምዝርራብን ኣብ እዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ክሰርሓለይ ከም ዝኽእል ተገንዚበ፡ ብርግጽ እቲ ጸገም ሰባት ብሓቂ ክንሰምዖምን ክንድኦም ምስ ዘይንኽእል ጥራይ እዮ ምስ ሰባት ብቑዕ ዝኾነ ርክብ ወይ ምርድዳእ ዘይንዕወት። ሰባት ብጽሞና ብዘይ ዝኾነ ምኽላፍ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት ፍርዲ ከይሃብካ ክትሰምዖም ምስ ትኽእል፡ ኣካላዊ ናይ ርድኢት ወይ ትሰምዖም ከምዘለኻ ክገልጽ ዝኽእል ምልክት ምግባር፡ ቅድሚ ክትህቦ ዝግኣካ ሓበሬታ፡ ምኽሪ ወይ ርእይቶ ንገለ ካልኢት ነብስኻ ወይ ስምዒትካ በቲ ዝነገሩኻ ታሪኽ መሰረት በቲ ናቶም ስምዒት ወይ ርድኢት ነቲ ዘለውዎ ኩነት ክትርእዮ ፈትን። ንገለ ካልኢት ነብስኻ ኣብ ቦትኦም የእቲኻ ክስመዓካ ፈትን። ብርግጽ ኣብ ቦትኦም ኣቲኻ ማዕረ እቲ ዘለዎም ስምዒትን ርድኢትን እኳ ክትርድእ እንተዘይ ከኣልካ፡ ዝያዳ ርድኢትን ገለ ስምዒትን ናይ ስለምንታይ ንዕኦም ኽርድኡን ክቕበሉን ከቢድን ኣሸጋርን ከምዝኾነ ክንድልብ ንኽእል። በዚ መንገዲ ድማ እቲ ዝበልዎ ከም ዝሰመዓካዮምን ርድኢት ከም ዘለካን ትገልጸሎም። ሰሚዐካ ኣለኹ!ተረዲአካ ኣለኩ! ምባል ጥራይ ርጉጽ ዝኾነ ስምዒት ኣይህብን፡ እንተተኻኢሉ እቲ ዝበልዎ ብዝርዝር ክትደግመሎምን ኣብ ቦትኦም ኮይንካ ምስ ትግምቶ እቲ ሂወት ከቢድ ምኻኑን ብዙሕ ንኽትርድኦም ቀለልቲ ዘይኮኑ ነገራት ከምዘለውን ክትገልጸሎም ፈትን። ብድሕሪኡ እቲ ክትህቦ ዝግባኣካ ሓበሬታ፡ ምኽሪ ወይ ርኢቶ ምስ ትህብ ብርግጽ ገለ ኣዎንታዊ ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ናይ ምስማዕ ተጠቒምካ ንሰባት ክትርድኦም እንተዘይኪኢልካ፡ ስራሕካ ውጽኢት ኣይክህልዎን። ንሰባት ሓቃዊ ርድኢት ክንድኦም እንተዘይኪኢልና፡ ንዓና ፍጹም ኣይክርድኡናን እዮም፡ ሂወት ብዘይ ዓሚቕ ምርድዳእ ዋላ ሓደ ውጽኢት ኣይክህልዋን እዩ።

71 views0 comments

Kommentare


bottom of page