ጦብላሕታ
ዝምድናዊ ግጭት ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ጭንቀትን ጸቕጥን ዝፈጥር ሳዕቤን እዩ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ናይቲ ካልእ ሰብ ዘለዎ ኣርኣእያ ነጥቢ ጌና ከይተረዳእና ግብረመልሲ ምስ ንህብ ዝስዕብ ዘይምቹእ ሃዋህው እዩ። ምናልባት ብንጹር ዘይቀረቡልና ክኾኑ ይኽእል ወይ እውን ብጌጋ ዘይበልዎ ሰሚዕና ክንከውን ንኽእል ወይ ውን ቅኑዕ ሕቶ ምስ ዘይነቕርብን ክፍጠር ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ ዘሕዝን ሓቂ ንሕና ንፍዓት ሰማዕቲ ዘይምኻና እዩ። 21 ክፍለ ዘመን፡ ዝበሃል ዘሎ ነገር ካብ ምስማዕ ዝኽልኩሉና ብዝተፈላለየ ዋጭዋጭታን ዝምባለታትን ዝመልአት ክፍለ ዘመን እያ። ተክኒካዊ ናይ “ንጡፍነት ናይ ምስማዕ“ ንጽርነት፡ ምቕናስ ዘይምርድዳእን ከምጽኡ ይኽእሉን ነቲ ካልእ ሰብ ክብሪ ከምዝስምዖ ይገብሩን። ንጡፍ ሰማዒ ምኻን ማለት ልዑል ናይ ምስትውዓል ገይርና ነቶም ሰብ ዝዛረቦም ዘሎ ቃላት ምሳማዕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምኡ ውን ነቲ ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ክትርዳእ ምኽኣል ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሰማዓይ ፍጹምን ምሉእ ብምሉእን ምስትውዓል ነቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ንኽገብር ይጠልበና፡ ዝምባለ ዝፈጥሩ ነገራት ምውጋድን ኣብቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ኣተክሮ ምግባርን የድሊ። እትህቦ መልሲ፡ ማዕዳ፡ ርእይቶ ወይ ተቓውሞ ድሕሪ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ምርዳእካ ክኾነካ ዓቅቦ። ኣብ ታሕቲ ዘለዎ መምርሒታት ብኸመይ ንጡፍ ሰማዒ ክትከውንን ኣብ ምርድዳእ ንኽትበጽሕን ዝሕግዙ ነጥብታት እዮም፡ 1) ብኣእምሮኣዊ መስርሕ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ድገሞ፡ ኣተክሮኻ ንምዕቃብ 2) ናብቲ ዝዛረብ ዘሎ ካልእ ሰብ ኣገላልጽኡ፡ ኣካላዊ መግለጽን ኣገባብን ጠምት 3) እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ዝተረዳእካዮ ምልክት ሃብ፡ ናይ ርእሰ ምንቕናቕ ወይ ከም ‘ኣሃ፡ እወ’ ዝብል ቃላት ግብረ መልሲ ሃብ። 4) እቲ ሰብ ዝብለካ ዘሎ እንድሕር ተሰማሚዕካ፡ ፍሽኽታ ሃብን ናይ ምስማማዕካ ዘረጋግጽ ቃለ መግለጺ፡ ከም ‘ተረዲኤካ ወይ እወ’ ዝብል ግብረ መልሲ ሃብ። 5) ገለ ዘይነጸረ ነገር እንተሃልዩ ንኽበርሃልካ ብኸምዚ ሕተት፡ ‘ከምዚ ማለትካ ድዩ’ ወይ ‘ከምዚ ዲኻ ትብል ዘለኻ’ ዝኣመሰሉ ሜላዊ ሕቶታት ተጠቐም። 6) ነቲ ዝሰማዓካዮ ደጊምካ ብኸምዚ ሓጺር መግለጺ ሃብ፡ ‘ካባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ ከምዝን ብኸምዝን ማለት እዩ ብዝብል .......’ 7) ውሽጣዊ ድምጽኻ ወይ ስምዒታትካ ነቲ ትሰምዖ ዘለኻ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ከይህቡ ኣስተውዕል። 8) ዝተሃወኸ መደምደምታ ወይ ፍርዲ ኣይትሃብ፡ ምኽንያቱ እቲ ዝዛረብ ዘሎ ሰብ ተኻላኻሊ ክኸውን ስለዝኽእልን ኣብ ሞንጎ ከቃርጽ ስለዝኽእልን። ኣብ ዝመጽእ ምስ ካልኦት ዝርርብ ኣብ ዘድልየኩም ነዚ መምርሒ ክትክተል ጀምር፡ ዘለዎ ለውጢ ድማ ኣስተውዕለሉ። Solomon Gebreyohans | community interpreter and cultural broker | 31-May-19
ความคิดเห็น