ከተቃርጽ ኣብ ዝተሰመዓካ፡ ነቶም ክትወድቕ ምኻንካ ወይ ኣይትዕወትን ኢኻ ዝበሉኻ ዘክር
ተስፋ ምቕራጽ ኣብ ዝስመዓካ፡ ንምንታይ ከምዝጀመርካ ዘክር
ከተቃርጽ ኣብ ዝተሰመዓካ፡ ቃንዛ ወይ ድኻም ግዝያዊ ምኻኑ፡ ፍረ ጻዕሪ ግን ነባሪ ምኻኑ ዘክር
ከተቃርጽ ኣብ ዝተሰመዓካ፡ ሎሚ ዝሰማዓካ ቃንዛ ጽባሕ ዘድልየካ ሓይሊ ምኻኑ ዘክር
ስለዚ ብመንገዲ ቃንዛ ድፋእ እቲ ቃንዛ ደው ከብለካ ዕድል ኣይትሃቦ እቲ ቃንዛ ዕብየትካ ክብ ከብሎ ዕድል ሃቦ ካብ ቃንዛ ንታሕቲ ኣይትመለስ ግጠሞ፡ ቃንዛ ከምዘየለ ይሰማዓካ፡ ቃንዛ ዝበሃል የለን እቲ ቃንዛ ተወዲኡ ዋላ ሓደ ኣይኮነን፡ ተወሳኺ ቃንዛ ጥለብ፡ ብብርቱዕ ድማ ድፍእ እምብዛ ደኺመ፡ ኣይተመኽኒ! እምብዛ ብስራሕ ተጸሚደ፡ ኣይተመኽኒ! እምብዛ በርቲዑኒ፡ ኣይተመኽኒ! እምብዛ ደንግየ፡ ኣይተመኽኒ! እምብዛ ጽቕጠት፡ ኣይተመኽኒ! ከቃርጽ ኣብ ዝተሰመዓኒ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብዛዕባይ ጉግያት ምኻኖም ከረጋግጽ ከምዘድለየኒ ይዝክር።
ከቃርጽ ኣብ ዝተሰማዓኒ፡ኣዝዩ ብዙሕ ክቃለሶ ዝግብኣኒ ከምዘለኒ ይዝክር። ኣይከቃርጽን እየ!
ድቃስ ንዓበይቲ…...እዩ
ተንሲአ ኣለኹ፡ ንኽኸይድ ተዳልየ ኣለኹ በል
ምቁራጽ ነቶም ሕመረት ዘይብሎም ጥራይ እዩ
ኣነ ኣየቃርጽን እየ!
ብሉጽ ኣካላዊ ትርኢትካ፡ ብሉጽ ጥዕናኻ፡ ብሉጽ ሓይልኻ ብማእከላይ ገምጋም ገድሊ ኣይመጽእን እዩ።
ብሉጽ ውጽኢት እንተደሊኻ፡ ብቐጻሊ ልዑል ጻዕሪን ምንቅስቓስን ሃብ። ናትካ ብሉጽነት ክህልወካ እንተደሊኻ፡ ናትካ ዝለዓለ ጸዓት ክትህብ ኣለካ።
ካብ ዝኾነ ዝጀመርካዮ ናይ ልምምድ ክላስ፡ ግጥም፡ ዝኾነ ነገር ንኸይትወጽእ ወይ ደው ከይተብል ንገዛእ ርእስኻ ቃል እቶ።
ዝኾነ ዝሓሰብካዮ ዘበለ ናትካ ዶብ እዩ፡
ድፍኣዮ፡ ሕለፎ!
ዝኾነ ዝሓሰብካዮ ዘበለ፡ ናትካ ጽፍሒ እዩ፡ 10% ተወሳኺ ክትውስኽ እንድሕር ኪኢልካ ርኣዮ!ውጽኢት ኣይሕስዉን እዮም!
ኩሉ ነገረ ናብ ሓንቲ ቀላል ሕቶ እዩ ዝመጽእ
ማዕረ ክንደይ ኢኻ ትደልዮ?ማዕረ ክንደይ እዩ ዘድልየካ?
እንድሕር ኣቓሪጽካ ዝኾነ ዓብን ብሉጽን ነገር ኣይክመጽእንዩ።
ከቢድ ምኻኑ ይፈልጥ እየ!
ደኺምካ ከምዘለኻ ይፈልጥ እየ!
ዝከኣል ከምዘይኮነ ከምዝመስል ይፈልጥ እይ!ብቐጻሊ ክትከይድ እዩ ግን ዝግብኣካ።
ብሓይሊ ድፍኣሉ፡ ስልማትካ ርኸብ|
Source- Fearless Motivations Translate- Solomon Gebreyohans Gebremariam Community mediator and interpreter
Comments