top of page
Writer's pictureSolomon Gebreyohans

ጽግዕተኛንነት ኣብ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ደው ከተብሎ ትኽእል፡

ጸሓፊት Alana Mbanza ትርጉም ሰሎሙን ገብረዮሃንስ

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ኣደይ ዝነበረኒ ገንዘባዊ ጽግዕተኛ ከቋርጾ መሲነ።

ኣብ እቲ ግዜ እቲ ኣብ ባንክ ሕሳበይ ሰማንያን ኣርባዕተን ሳንቲም ጥራይ ነይሩኒ፡ ክነብረሉ ዝኽእል ቦታ ኣይነበረንን። ዝነበረኒ ኣታዊ ብዘይካ ካብ ገለ ክፋል ናይ ግዜ ስርሐይን ግዝያዊ ዝኾነ ፕሮጀችትን ካልእ ዝኾነ ኣታዊ ኣይነበረንን።

ሽሕኳ እቲ ግዜ ሃንደበታዊ እንተነበረ፡ ኣብ ውሳነይ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ነይርዎ። ብተደጋገሚ ካብ ገዛ ወጺአ ጥራሕ ኢደይን እግረይን ክምለስን ክዛረበሉ ዝኽእል ገንዘብ ብዘይ ምውናነይን ንዓይ ኣዝዩ ተስፋ ዘቕርጽ ነይሩ። ነብሰ ወከፍ ግዜ ገዛ ኣብ ዝመጻእኩሉ፡ ዋላ እኳ ኣባይን ኣብ ወላዲተይን ብውሽጥና ቁጥዐ እንተነበረና ዘለኒ ዕዳ መኽፈሊ ኣደይ ክትህበንን ኣነ ድማ ይቕበላን ነይረ።

ንናተይ ዓበይቲ ተኽእሎታትን ዓቕምን ይነብሮም ከምዘይነበርኩ ፈሊጠ፡ ብዝኾነ ነገር ምስ ዝኾነ ነገር ደው ኢለ ኣይፈልጥን ምኽንያቱ ኣደይ ኣብ ዝኾነ ዝወደቕክሉ ሓሊፋ ዋሕስ ስለትኾነለይ። ነገራት እንዳኸበዱን፡ ኣሰልቸውቲ ወይ ብተደጋገምን ምስ ኮኑ፡ ደው ከብሎ ምኽኣልኩ። ደው ድማ ኣቢለዮ።

ንወላዲተይ ይረብሓላ/ብዓይኒ ቑጠባ ይሃስያ ነይረ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዕቤትን ውልቃዊ ምዕባለን የታዓናቕፎን ነይረ። ምምስራት ገንዘባዊ ናጽነት ካብ ወላዲተይ ማለት፡ ዝኾነ ደገፍ ካብ ኣደይ ምቕባል ደው ከብሎ ማለት እዩ። ከምኡውን ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ናይ ምጽሓፍ ሞያይ ብጥብቂ ክከታተል ማለት እዩ። ካብ መግዓዝያን ጋዝን ገንዘብ ንምዕቃብ ካብን ናብን ስራሕ ንምምልላስ ንነዊሕ ብእግረይ ተጋዒዘ። ኣብ ኣዝዩ ምቹእ ዘይኮነ ፍርናሽ ናይ ካልእ ሰብ ክፍሊ ይድቅስ ነይረ። ኣብቲ ግዜቲ ንገለ መዓልታት ክሳብ እቲ ናይ ምቕባል ደሞዘይ ዝበጽሕ መግቢ ከይበላዕኩ ዝሓለፈ ግዜ ነይሩ። ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ ተምክሮን ከቢድ መቕጻዕትን ነይሩ፡ ተስፋ ይገብር ድማ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም። ግን፡ ብዛዕባ ኣነ መን ምኻነይን እቲ ሓቃዊ ዓቕመይ እንታይ ምኻኑን ተማሂረን ንነብሰይ ኣብ ብድሆታት ብምቕማጥ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናጽነት ክውንን ኪኢለን።

ምምስራት ውልቀ ናጽነት ዝምድና ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን፡ እቲ እንኮ ካብ ብዙሓት ዝምድናታት፡ ሐደ ካብኦም ወይ ድማ ክልቲኦም ውልቀ ናጽነት ከማዕብል ዝጠልብ ዝምድና እዩ። ካልኦት ኣብነታት ዝምድና ኣብ ሞንጎ ጾታዊ መጻምድን ምሕዝነትን የጣቓልል። ሽሕ እኳ ዝኾነ ዝምድና ናይ ባዕሉ ሕልኽላኻት እንተሃለዎ፡ ሰለስተ ሓፈሻዊ ደረጃ ናብ ውልቀ ናጽነት ምውናን ዝመርሑ መንገድታት ኣለውና። እሶም ድማ ናጽነትካ ምእዋጅ፡ ነብስኻ ምፍላይ፡ ዳግመ ምትእስሳር 1. ናጽነትካ ምእዋጅ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ናይቲ መስርሕ ናጽነትካ ምእዋጅ እዩ። እቲ ናይ ኣዋጅ ደረጃ ከም ምቕራጽ ስምዒታዊ ዕትብቲ ሕሰቦ። ኣብዚ ደረጃ እዚ፡ ካብቲ ካልእ ሰብ ሓራ ናይ ምኻን ዕላማኻ ኣካፍል። እዚ ኣዋጅ እዚ ድንግርግር፡ ሕርቃን፡ ጓህን ካልኦት ዝተፈላለዩ ግብረመልስን ስምዒታትን ከስዕብ ይኽእል እዩ። ናጽነትና ኣብ ንእውጀሉ ክንዝክሮም ዝግብኣና ገለ ነገራት ኣብዚ ታሕቲ ንመልከት፡

  1. መልእኽትኻ ብርእሰ ተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ኣማሓላልፍ

  2. መልእኽቲ ብሕጽር ዝበለን ናብ እቲ ነጥብን ዓቅቦ.

  3. ውሳነኻ ብዛዕባኻ እምበር ብዛዕብኦም ከምዘይኮነ መልእኽቲ ንምሕላፍ “ኣነ” ዝብል ቃል መግለጺ ተጠቐም

  4. ንውሳነኻ ናይ ይቕረ ይኹን ቅንዕናኻ ናይ ምርግጋጽ ስምዒት ክስምዓካ የብሉን

እቲ ህሉው ትሕዝቶ (እስኻ ክትብሎ ዝግብኣካ) ናይ እቲ መልእኽቲ ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ዝስዕብ ከም ኣብነት ውሰድ፡ “ ዋላ እኳ ምናልባት ንኽሰርሖም ቀለልቲ ክኾኑ እንተዘይከኣሉ፡ ኣብ ሂወተይ ገለ ኣዎንታዊ ለውጢ ክሰርሕ ደልየ ኣለኹ። ንገዛእ ርእሰይን ሂወተይን ተወሳኺ ሓላፍነት ክወስድ ደልየ ኣለኹ። ብዝዛየደ ሓራ ክኸውንን መን ምኻነይ ክፈልጥን ደልየ ኣለኹ። ኣባኻ ንኽንዲዚ(ንጹር ዝኾነ ግዜ ሃብ)ዝኣክል ግዜ ጽግዕተኛ ነይረ፡ ጽግዕተኛንነተይ ካባኻ ኣልዒለ ምሉእ ብምሉእ ናብ ባዕለይ ክስጉም የድልየኒ ኣሎ። እቲ መግለጺ ብዛዕባይን ብዛዕባ ሂወተይን እዩ። ስለዚ ንገለ እዋን ትሑት ዝኾነ ተሳታፍነት ምሳኻ ክህልወኒ እዩ“። ፍሉጥ ዝኾነ ነገር ምናልባት ክሳብ መዓስ ምኻኑ ንጹር ግዜ ክሓቱኻ ይኽእሉ፡ መልስኻ ድማ ናጽነትካ ንምምዕባልን መን ምኻንካ ንምፍላጥን ዘድሊ ዘበለ ግዜ ክትወስድ ምኻንካ ሓብር። 2.ንገዛእ ርእስኻ ፍለያ፡

ገዛእ ርእስኻ ምፍላይ ማለት ንጽር ዝኾነ ናይ ዶብ ቅርጺ ኣብ ሞንጎ ነብስኻን እቲ ኻልእ ሰብን ምፍጣር ማለት እዩ። እዚ ብኣካል፡ ብጾታዊ፡ ብገንዘባዊ ወይ ብስምዒታዊ ክፍጸም ይከኣል። ብኣካል ክትፍለ ዘይከኣል እንተኮይኑ፡ ምስቲ ሰብ እተሕፍፎ ግዜን ምልውዋጥን ውሱን ግበሮ። ንጹር ጥዕና ዘለዎ ስምዒታዊ ዶብ ኣብ ምፍጣር ኣተኩር፡ ንዕኦም መሰረት ብምግባር ክትነብር ብዝከኣለካ ፈትን። ኣብ መወዳእታ፡ ዕላማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምፍላይ ንነብስኻ ብዝያዳ ብንጹር ምግንዛብን ንገዛእ ጥዕናኻ ኣገዳሲ ዝኾነ እንታይ ምኻኑ ንምፍላጥን ዕድል ምሃብን እዩ። ኣብቲ ብምፍልላይ ዝተፈጥረ ቦታ ገዛእ ውሽጥኻ ንኽዛረብ ዕድል ይረክብ። እቶም በቲ ካልእ ሰብ ዝተፍጥሩ ግምታትን ርእይቶን፡ ሓሳባትን ስምዒታትን ንዓኻ ዘዛንዩኻ ዝነበሩ ክጸርዩን ክሃሱን ክጅምሩ እዮም። ኣብ መጨረሽታ ንዓኻ ትኽክለኛ፡ ሓቅን ንጽሁን እንታይ ምኻኑ ከተለሊ ኪኢልካ ኣለኻ።

ኣብቲ ካልእ ሰብ ጽግዕተኛ ኮይንካ እትረኽቦም ዝነበርካ ኣገደስትን ኣድለይትን ዝኾኑ ነገራት ክትፈልጦም ትጅምር እሞ፡ ነዞም ኣገደስቲ ነገራት ብገዛእ ርእስኻ ንባዕልኻ ክትረኽቦም ባይታ ትረክብ። ምናልባት ንኸተባብዓካ፡ ከጸናንዐካ፡ ጸገማትካ ንምርስሳዕ ንኸዛንየካ ወይ ድማ ፍትው ወይ ፍቑር ምኻንካ ስምዒት ንኽፈጥረልካ ጽግዕተኛ ናቱ ኮይንካ ነይርካ ክትከውን ትኽእል። ነዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብ ሂወትካ ዝጻወት ዝነበረ ሰብ ምልጋስ ደው ኣብዘብለሉኸ እንታይ ትገብር፤

ንገዛእ ርእስኻ ኣተባባዒ፡ ኣጸናናዒን ተፈታውን ንኽትገብራ ሓለፍነት ንኽትወስድ ትመሃር። ቅድሚ ሕጂ ሸለል ዝበልካዮምን ዘወገድካዮምን ንዓኻ ዘገድስኻ ጉዳያት ክትዓየሎም ክትጅምር ትኽእል። ምፍልላይ ሓቃዊ ተምክሮ ናይ ናጽነትካ ንኽትምኮርን ኣብ ልዕሊ ምርጫታትካ፡ ባህርያትካ፡ እምነትካን ብድሕሬኻ ትገድፎም ስምዒታዊ ኣሰራትን ምሉእ ሓይሊ ንኽትመልስ የፍቅደልካ። እቲ ዝገርም ነገር፡ ኣብ ሂወትካ ዝያዳ ሓላፍነት ኣብ ትወስደሉ፡ ኣብ ሂወትካ ዝያዳ ናጽነት ይህልወካ። ናጽነት ንገዛእ ርእስኻ ክትመስልን ሂወትካ ብዕላማ ንኽትመርሕን። “ክሳብ መዓስ ክፈላለ የድልየኒ“ ኢልካ ትሓት ትህሉ።

እዚ ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ሞንጎ እቲ ካልእ ሰብን ዘሎ ኩነትን ባህርን ናይቲ ዝምድናኹም ይምርኮስ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ንስኻ ናይ ባዕልኻ ዘድልዩኻ፡ ርእይቶ፡ ሓሳባትን ምትብባዕን ብናጽነት ከተለልዮምን ክትርድኦምን እኹል ዝኾነ ንውሓት ናይ ግዜ ከድልየካ እዩ። ቀሊል ፈተና፡ ንገዛእ ርእስኻ ቃንያ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣብ እትሓስበሉ ወይ ኣብ ትለዋወጠሉ ዝመጹኻ ሓሳባት እንታይ እዮም፤ ክሳብ ሕጂ ብብዝሒ ኣሉታዊ ወይ ዘይንጹር ሓሳባት እንተድኣ ኮይኖም፡ ምናልባት ምስ እቲ ሰብ ደጊምካ ክትትኣሳሰር ዘይተዳለኻ ክትከውን ትኽእል። ነብስኻ ከይጥፋእካ ምስቲ ሰብ ክትላወወጥ ዘይከኣል እንተድኣ ኮይኑ፡ እዚ ሰብሲ ኣብ ሂወትካ ቦታ ይግብኦ ድይ ኣይግብኦን ገምጋም ግበር።

3. ምስ ተዳለኻ ዳግመ-ምትእስሳር፡ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዳግመ-ምትእስሳር እዩ። እዚ መድረኽ እዚ ኣብቲ ዝምድና ዝርከቡ ዕማማት ሓደሽቲ ስምምዕን ዳግመ ምይይጥን የሳትፍ። እዞም ዕማማት እዚኣቶም ብኽልቲኡ ወገናት ብንጽር ክግለጹን ስምምዕ ክግበረለሙን ይግባእ። ኣብ ግምት ዝኣትው ሕቶታት።

  1. ኣየኖት ባህሪ እዮም ቅቡላትን ዘይቁቡላትን፤

  2. ኣብ ነንሕድሕኩም እትሕዝዎም ትጽቢታት እንታይ እዮም፤

  3. እዞም ስምምዓት እንተዘይተኸቢሮም ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት እንታይ እዮም፤

ህላወ ስምምዕ ኣብቲ ደረጃ ነቲ ሰብ ንምቅጽጻር ወይ ድማ ንምእላይ ዝሃቀነ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ብዛዕባ ትጽቢታት ክትዛራርበሉን ክትለዋወጥን ኣብ ዝጀመርካሉ ኣብ ሞንጎኹም እንታይ ክሰርሑ ይኽእሉ እንታይከ ኣይሰርሑን ንምፍላጥ እዩ። እቲ ካልእ ሰብ ድማ ክሰማማዕ ድዩ ኣይሰማማዕን ናይ ምውሳን ሓይሊ ይህልዎ። እዚ መስርሕ እዚ ፍጹም ቅኑዕን ብንጽህና ክትሰርሕን ይጠልብ። ሓደ ነገር ንዓኻ እንድሕር ዘይሰረሓልካ ሃልዩ ሞ ከምዘለዎ እንተተቐቢልካዮ፡ ምስ ነብስኻን ምስቲ ካልእ ሰብን ዘይንጹህ ትኸውን ኣለኻ ማለት እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ምድንጋርን ሓያል ቁጥዐን ይፈጥር።

ብንጹር ዕላማኻ ግለጽ

ነብሰ ቅንዕናኻ ክትፈልጥ ዝኣኽለካ ግዜ ውሰድ

ዳግመ ምዝርራብ ኣብ ዝምድናኻ ዘለው ዕማማት ወይ ተራታት ግበር

222 views0 comments

Comments


bottom of page